ሰማእታትና፡ ድምጽና 'ውን ሓውልቲ ይኹኖም! እዘን ክልተ ክቡራን መዓልታት፡ መዓልቲ ነጻነትን መዓልቲ ስዉኣትን፡ ላህመት ዓውደ-ኣዋርሕ ኤርትራ እየን። ነሕድሕደን ከይተመላልኣ፡ በበይነን ከኣ ደው ክብላ ኣይክእላን። 24 ግንቦት ብዘይ 20 ሰነ ኣይምተረኽበትን፥ 20 ሰነ ኸኣ ብዘይ 24 ግንቦት ኣይምተኸብረትን። እታ ሓንቲ ዋጋ ናጽነት፡ እታ ሓንቲ ኸኣ ዓውዲ ነጻነት እየን። ትማሊ ን24 ግንቦት ኣብ መዓልቲ ነጻነት በብስመስለና ጸምቢልና፥ ሳዕሲዕና፡ ዘሊልና፡ መዲርና፡ መሪሽና፡ ጨሪሕና ኣለና። ጽባሕ 20 ሰነ ኣብታ መዓልቲ ዝኽሪ ግን፡ ንዘዝመሰለና ባህጊ ዝኸውን ኣዳራሽ የለን። እተን ዕለታት ማናቱ'ኳ እንተኾና፡ ኣብ ስርዓት ጽምብልን ዝኽርን ሲ ፍልልይ ኣለወን። እወ፡ እታ ዋጋን መርሖን ነጻነት ዝኾነት ረዛን ዕለት 20 ሰነ ኣብ እትመጽኣሉ ኣጋጣሚ፡ ፍሉይን ልክዕን ድሉውነት ክህልወና ኣለዎ። እታ ዕለት እቲኣ፡ የማነ ጸጋም ቅድሚትን ድሕሪትን ጠሚትና፡ ወደይ ወዲ ወደይ፡ ጓለይ ጓል ጓለይ፡ ሓወይ ሓብተይ፡ ዓርከይ መማህርተይ፡ ሕጹየይ ኪዳነይ፡ ኣበይ ኣለዉ ኢልና በብሓደ ሽሞም እናኣልዓልና ንነብስና እንሓተላ መዓልቲ እያ። እወ፡ ከቢድ ፈተነ እዩ።/፡ ማዕረ ሓበን የንብዕ፡ የተክዝ፡ ውሽጣዊ ስቓይ ይፈጥር።/፡ ሰማእታትና ግን ካብቲ ፈተነ'ቲ ብእልፊ-ኣእላፍ ይኸብዱ። እሞ ኸ፡ እታ ክብርትን ረዛንን ዕለት ዝጸወረቶ ጾር ክንጸውር ተዳሊና ዶ ኣለና? ገሌና ንእግሪ ጉዕዞ ተዳሊና ንህሉ፡ ግን ልብና ረሲዕና ነቲ ጉዕዞ እንተጀሚርናዮ፡ መን
...